Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ኣጀማምርኡ ዝሰመረሉ ኣንቶኒዮ ሴሜንዮ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ጋንታ ቦርንማውዝ ብምድማቕ ደረጃኡ ክብ ብምባል ናብ ኢትሃድ ዘምረሐ ኣንቶኒዮ ሴሜንዮ ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ብቕልጡፍ ክላመድ ክኢሉ ኣሎ፡፡

ካብ ጋናዊ ኣቡኡን ፈረንሳዊት እንኡን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2000 ኣብ እንግሊዝ ዝተወለደ ሴሜንዮ፤ ኣብቲ ሊግ ድሙቕ ምንቅስቓስ እናገበሩ ካብ ዝርከቡ ተፃወትቲ ናይ ቅድሚት መስመር ዝፅራሕ ኢዩ፡፡

ሴሜንዮ ካብ ቑልዕነቱ ኣብ ኣርሰናል፣ ቶተንሃም ሆትስፐርን ሚልዎልን ዕዉት ዘይኮነ ፈተነ ዝገበረ እንትኸውን÷ ኣብ 15 ዓመቱ እውን ኣብ ክሪስታል ፓላስ ኣይትኽእልን ተባሂሉ ከምዝተባረረ ይንገር፡፡

ድሕሪ እዚ ውፃእ ውረድን ምቑራፅ ተስፋን ኣብ 2017 ናብ ጋንታ ሻምፒዮን ሺፕ ብሪስቶል ሲቲ ኣካዳሚ ዝተፀምበረ እቲ ተፃዋቲ ኣብታ ጋንታ ዕዉት ግዘ አሕሊፉ ኢዩ፡፡

ኣብ ብሪስቶል ሲቲ ብዘርአዮ ዘደንቕ ብቕዓት ኣብ 2023 ናብ ጋንታ ፕሪሚየር ሊግ ቦርንማውዝን ብ10 ሚሊየን ፓውንድ ንኽፅምበር ኣኽኢሉዎ፡፡

ብስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣንዶኒ ኢራኦላ ትምራሕ ቦርንማውዝ ፅዕንቶኡ ብግልፂ ከዕርፍ ዝኸአለ ሴሜንዮ÷ ኣብ ጥሪ ናይ ተፃወትቲ መስኮት ዝውውር ብ64 ሚሊየን ፓውንድ ናብ ማንቼስተር ሲቲ ክፅምበር ክኢሉ፡፡

ብቕልጡፍ ምንቅስቓሱ፣ ብክልቲኡ እግሩ ብምቾት ክፃወት ምኽኣሉን ሽቶ ከመዝግብ ዝኽእል ምዃኑን ብፍሉይ ዝፍለጥ ኣንቶኒዮ ሲሞኒዮ፤ ማንቼስተር ሲቲ ፅዋዕ እቲ ሊግ ናይ ምልዓል ተስፋ ዘለምለመ ተባሁሉ ብስፍሓት ተገሚቱ ይርከብ፡፡

ኣብ ማንቼስተር ሲቲ ኣጀማምርኡ ዝፀበቐሉ ሴሜንዮ፤ ነታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮም ሰለስተ ፀወታታት ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሓንቲ ንሸቶ ትኸውን ኩዕሾ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡

ማንቼስተር ሲቲ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ኣብ ትገብሮ ንሕንሕ ፅዋዕ ሴሜንዮ ርኡይ እናምፀአ ይርከብ፡፡

ዋላ እኳ ኣብ እንግሊዝ ይወለድ እምበር ናይ ኣቡኡ ሃገር ኣብ ዝኾነት ጋና ክፃወት ሕርያኡ ዝገበረ ወዲ 26 ዓመት ኣንቶኒዮ ሴሜኒዮ፤ ፍልፍል ጉዕዞ ዓወት ዝቕፅል ዘበን ሃገራዊት ጋንታ ጋና ክኸውን ኢዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ይርከብ፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.