ሸገር ከተማን ምድረ ገነት ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 19 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሸገር ከተማን ምድረ ገነት ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን።
ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ቀትሪ ሰዓት 7 ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ብዘይ ሸቶ ኢየን ማዕረ ተፈላሊየን።
ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ቀትሪ ሰዓት 10 ሃዲያ ሆሳእና ምስ መቻል ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ካፃወታ ኢየን።
ከምኡ እውን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ቀትሪ ሰዓት 9 ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ሲዳማ ቡና፤ ምሸት ሰዓት 12 ድማ ኣዳማ ከተማ ምስ ሃዋሳ ከተማ ክራኸባ ኢየን።