Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ታሪኽ ናብ ሃፍቲ፥ ሓድጊ ናብ ክብሪ ዝለወጠ ውድብ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ተመስገን ጥሩነህ ፓርቲ ብልፅግና ታሪኽ ናብ ሃፍቲ፥ ሓድጊ ናብ ክብሪ ዝለወጠ ውድብ ኢዩ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7የ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደረሉ ምልክት መረፃ ‘ሸዊት ስርናይ’ ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ፓርቲ “ንኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዕላዊ መግበሪ ማኒፌስቶን ምልክት መወዳደሪ መረፃን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ም/ፕሬዚዳንትን ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ተመስገን ጥሩነህ፣ ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤ ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣደም ፋራህን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ፓርቲ ታሪኽ ናብ ሃፍቲ፥ ሓድጊ ናብ ክብሪ ዝለወጠ ውድብ ኢዩ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ድሕሪ 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ፤ ብኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዓውዲታት ብዝወገኖም ስራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳይ ለውጢ ትርከብ ኢዮም ኢሎም።

በዚ ድማ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ፣ ዲጂታል ፋይናንስ፣ ዲጂታል ኣገልግሎት ከምኡ እውን እታ ሃገር ካብ ዕዳ ናብ ሃፍቲ ናይ ምስጋር ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።

ብሰለሞን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.