Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ መበል 53 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘመሓላለፎም ሽዱሽተ ዋና ዋና ውሳነታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 53 ስሩዕ ኣኼባ ሽዱሽተ ዋና ዋና ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡፡

ውሳነታት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፡-

  1. ምጥያሽ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር፦ ኣብቲ ዓውዲ መናእሰይ ንምስልጣንን ምሁራን ንምፍራይን ዘኽእል ርእሱ ዝኸኣለ ዩኒቨርሲቲ ንኽጣየሽ እቲ ደምቢ ፀዲቑ።
  2. ንሰብ ሃፍቲ ውሕስና ክፍሊት ካሕሳ፤ ኣብ ዓበይቲን ቅድሚት ዝወሃቦምን ዓውዲታት ኢኮኖሚ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ ክፍሊት ካሕሳ ንምፍፃ ግቡእ ዝኣትወሉ ኩነታት ዝውስን ደምቢ ፀዲቑ።
  3. ስምምዓት ሓገዝን ልቓሕን ፋይናንስ፦ ንመስፋሕፍሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (60.2 ሚሊዮን ዶላር)፣ ንዝሕደስ ሓይሊን ዲጂታላይዜሽንን (80 ሚሊዮን ዩሮ) ከምኡ እውን ንከተማ ሴፍትኔትን ፈጠራ ስራሕን (184.1 ሚሊዮን SDR) ዝውዕሉ ስምምዓት ልቓሕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፉ ተወሲኑ።
  4. ስርዓት ደረሰይ መኸዘኒ ኣቕሑት፦ ኣብ ስርዓት ንግዲ ዝነበሩ ክፍተታትኣፈፃፅማ ንምፍታሕን ኣድላዪ ውዳበ ቁፅፅርን ንምፍጣር ዘኽእል ዝርዝር ደምቢ ኣፈፃፅማ ፀዲቑ።
  5. ፍቓድ ምፍራይ መዓድን ወርቂን ሓፂንን፦ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ረብሓ ዘለዎም ክልተ ስምምዓት መዓድን ንኽፍረሙን ናብ ስራሕ ክኣትዉን ተቐባልነት ተዋሂቢዎም።
  6. ሓዱሽ ፖሊሲ ቱሪዝም፦ ካብ 2001 ዓ.ም ጀሚሩ ዝነበረ መመሓየሺ ፖሊሲ፣ እቲ ዓውዲ ምስ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝጠዓዓም ሓዱሽ ፖሊሲ ቱሪዝም ፀዲቑ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.