መዛዘሚ ስራሕቲ ተግባራት ኣዋርሕ ጥሪን ለካቲትን 𝟐𝟎𝟏𝟖
መዛዘሚ ስራሕቲ ተግባራት ኣዋርሕ ጥሪን ለካቲትን 𝟐𝟎𝟏𝟖 ፤
ኣብ ክልቲኦም ኣዋርሕ መሪሕ ዲጂታል ኣገልግሎታት፣ ሰፋሕቲ መሰረተ ልምዓታትን ኢኮ-ቱሪዝምን ዝተመረቑሉ ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ ዓለም ለኸ ምትሕብባራት ዝተጠናኸሩሉ ነይሩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ 𝟔ይ ዘበን ስራሕ 𝟏𝟎ይ ስሩዕ ኣኼባ፤ ስትራቴጂካዊ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኣንፈታት፡-
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም ኢዮም። ኣብ መብርሂኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 10.2 ሚኢታዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ከምተመዝግብ ሓቢሮም ኢዮም። ብሄራዊ ሰላም ብዝምልከት ኣፈላላያት ብልዝብ ምፍታሕ ከምዝግባእ፣ ነበርቲ ወልቃይት ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ከምዘለዎምን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ዋና ተዋሳኢ ክኸውን ከምዘለዎን ኣተሓሳሲቦም።
መሰረተ ልምዓትን ትራንስፎርሜሽን ከተማን:-
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሰፋሕቲ ተግባራት መሰረተ ልምዓት ብምጉብናይን ብምጅማርን ዘበናዊ ጉዕዞ እታ ሃገር ብተግባር ዘረጋገፁሉ ወርሒ ነይሩ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናተወገነ ዝርከብ ካልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ዝተመልከቱ እንትኾኑ፤ ኣብ ከተማ ነቀምቴ እውን ዘበናዊ ምሕደራ ትራፊክን ትሕቲ መሬት ዝዝርግሑ ስርዓታት መሰረተ ልምዓታት ዘካተተ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተዓዚቦም።
ሕርሻ፣ መስኖን ሉኣላዊነት ምግቢን:-
ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዋና ዋና ቦታታት ሕርሻ ብኣካል ተዓዚቦም ኢዮም። ብመርሃ ግብሪ “ትሩፋት ሌማት” ኣብ ወረዳ ሃዋ ገላን ዝለምዐ ክላስተር ባናና ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፤ ንዝተፈላለዩ ዝራእቲ ዘተኣማምን ቀረብ ማይ ዝወሃቦ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓ መስኖ ቄጦ እውን ተመልኪቶም። ፕሮጀክት መስኖ ኣርጆ ዲዴሳ፣ ኣብ ከባቢ ሩባ ብላቴ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ እናለምዑ ዝርከቡ ልምዓታት ፍረምረ ተዓዚቦም። ኣብ መዓልቲ 2,000 ቶን ምሸላ ባሕሪ ክጥሕን ዝኽእል ዝተዋደደ ህንፀት ኢንዱስትሪ ምግቢ ቡሳ ጎኖፋ እውን ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ቴክኖሎጂ፣ ኢንዱስትሪን መዓድንን
ብመሰረት ስትራቴጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሰብ ኣልቦ “ስማርት” ኣገልግሎት ፖሊስ ኣጀሚሮም። ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ፋብሪካ መቀነባበሪ እምኒ ፈሓም ኣርጆ ዝጎብነዩ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ ጎስጓስ #ኢትዮጵያተፍሪ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ናብ 66.3 ሚኢታዊ ንምዕባይ ዝግበር ፃዕሪ ዝድግፍ ኢዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብጥምረት መንግስቲን ውልቀ ሰብ ሃፍቲን እናለንዐ ዝርክብ ፕሮጀክት ልምዓት ወርቂ ቱሉ ካፒ እውን ተዓዚቦም ኢዮም።
ኢኮ-ቱሪዝምን ዘላቒ ልምዓትን:-
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብመርሃ ግብሪ “መኣዲ ንትውልዲ” ኣብ ወሎ ዝተሃነፀ ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወ ሪዞርት ቃላይ ሎጎ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። ኣብ ጥቓ ከተማ ነቀምቴ ኣብ 14 ሄክታር ብቕልጡፍ እናተሃነፀ ዝርከብ ኢኮ ሎጅ ሶርጋ ተመልኪቶም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ቀበሌ መዴ ጃለላ ዘሎ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ገፀር ብምጉብናይ ዘበናዊ ሓይሊ ፀሓይን ስርዓት ባዮ ጋዝን ህይት ማሕበረሰብ ገፀር ብኸመይ እናለወጡ ከምዝኾኑ ተመልኪቶም።
ዓለም ለኻዊ ርክባት:-
ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ካልኣይ ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ ኣብ ዘሰናደአትሉ እዋን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ዝተቐበሉ እንትኾኑ፤ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ምስ ዝመፅኡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ዕዉት ልዝብ ኣካይዶም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብዚ ብተወሳኺ ንፕሬዝዳንት ቱርክዬ ረጀፕ ጣይብ ኤርዶዋንን ፕሬዝዳንት እስራኤል ይስሃቅ ሄርዞግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቢሎም ብዛዕባ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ዞባዊ ምርግጋእን ሓዊሱ ኣብ ሰፋሕቲ ጉዳያት ተዛቲዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እውን ምስ ፕሬዝዳንት ኢልሃም ኣሊዬቭ ብምዃን ስምምዕነት ምትሕብባር ምክልኻል፣ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ፣ ኢንቨስትመንት፣ ፀረ-ግዕዝይናን ካልኦት ዘፈራትን ሰነድ ስምምዓት ተፈራሪሞም።
ብሄራዊ ድሕንነትን ትካላዊ ሪፎርምን:-
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 65 ዓመት በዓል ምስረታ ፍሉይ ኦፕሬሽን ኮማንዶ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብምርካብ ዘበናዊ ወታደራዊ ምርኢታት ኣየርን ማይን ተዓዚቦም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ብምምራሕ ኣብ ቀፃሊ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፣ ቀፃሊ መረፃ ሰላማዊን ፍትሓዊ ንኽኸውን መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ዳግም ኣረጋጊፆም።