ቴምር ፕሮፐርቲስ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴምር ፕሮፐርቲስ ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንዓቕመ ደካማ ዜጋታት መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 200 ዓቕመ ደካማ ክፋላት ማሕረሰብ ሓዊሱ 800 ሰባት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን እቲ ትካል ንፋውንዴሽን ካሊድ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብ ምግባሩ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ዓውዲ ሪል ስቴት ተዋፊሩ ዝርከብ ቴምር ፕሮፐርቲስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ህንፃታትን ብምህናፅ ጠለብ ገዛ ዜጋታት ካብ ምምላስ ጎድና ጎድኒ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓላፍነታት እናተዋፀአ ይርከብ፡፡
ብሚልኪያስ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!