Fana: At a Speed of Life!

ግደ ደቂ ኣንስትዮ ምሁራት ብፍልጠት ሃገር ኣብ ምህናፅ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር እናተመዝገቡ ዘለው ዓወታት ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ኢለን ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (8 መጋቢት) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ “ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነትን ብልፅግናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ መስርሕ ህንፀት ሃገር ግደ ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣዴታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓብዪ ግደ ከምዝነበራ ብምዝካር፤ ደቂ ኣንስትዮ ምሁራት ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ብድሆታት ንምፍታሕ ሓላፍነተን ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ጅማ ጠሃ ቀመራ ብወገኖም፤ ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ኢኮኖሚ ሃገር ስለዝኾና ኣብ ህንፀት መንግስቲ ማዕረ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገፅ ይግባእ ኢለን።
ብወርቅኣፈራው ያለው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.