ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ንዘመናት ዝተሳገረ ርክብ ኣለዎም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ንዘመናት ዝተሳገረ ርክብ ኣለዎም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፤ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ክቡር ጆሴፍ ንዩማ ቦኣካይ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣቀባብላ ብምግባረይ ክብሪ ይስመዓኒ ኢሎም።
ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ብባዕዳዊ ገዛእቲ ዘይተገዝኡ፣ ንኣህጉራት ድምፂ ናፅነትን ሓድነትን ብምዃን ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ንዘመናት ዝተሳገረ ርክብ ከምዘለወን ኣረዲኦም፡፡
ሎሚ ከም ወትሩ ኢትዮጵያ ካብ ሰፊሕ መሬታ ዘለዋ ዓብዪ ዓቕምን ነባሪ ምሕዝነትን ምስ ኩሎም ምስኣ ዝጓዓዙ ንምክፋል ድልውቲ ኮይና ኣላ ኢሎም።