ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሕቁፊ ዕንበባ ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሕቁፊ ዕንበባ ኣንቢሮም፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፥ ሎሚ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ብኽብሪ ተቐቢልና ኢለን።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሕቁፊ ዕንበባ ኣንቢሮም፣ ምልክት ናፅነት ቃልሲ ኩሎም ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዑደት ምክያዶም ገሊፀን።