ብዙሓት ዓወታት ዘመዝገበ ኢኒሼቲቭ ዲጂታል ኢትዮጵያ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢኒሼቲቭ ዲጂታል ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር)።
እተን ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ደምጋም 100 መዓልቲታትን ኣፈፃፅማ ሸራሕ ትሽዓተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመትን ፀብፃብ ኣቕሪበን።
ኣብ ፀብፃበን ድማ ዲጂታል ኢትዮጵያ ከም ኢኒሼቲቭ ብመሓዝ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከምዝርከቦ ኣልዒለን።
በዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት ብፅሬትን ቅልጣፈን ንኽባፃሕ ብምግባር ብልሹው ኣሰራርሓ ንኽፍታሕን ምንግልታዕ ተገልገልቲ፣ ዘቀላጥፍ ግዘ ወፃኢን ንኽንኪ ዘኽአለ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካእ ድማ ፋይዳ መለለዪ መንነት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ንዜጋታት ብፍትሓዊነት ኣገልግሎት ንምብፃሕ ልዑል ግደ ከምዝፃወት ኣልዒለን።
ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኢትዮጵያ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ኣብ ምዕባይ ስልጠና 5 ሚሊየን ኮደርስ ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ብዙሓት ማእኸላት ስልጠና ብዝተፈላለዩ ትካላትና እናተሰርሑ ይርከቡ ኢሎም።
ኣገልግሎታት ኦንላይን ምውሳኾም ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ዲጂታል ክፍሊት ኣማራፂታት ዝተለመደ ባንኪ ምስ ባንኪ ብብዙሕ ዕፅፊ ክበልፅ ከምዝኸኣለ እውን ኣብሪሀን።
ብዮናስ ጌትነት