Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዜጋታት ካብ ፅግዕተኛነት ንምንጋፍ እትገብሮ ዘላ ስልታዊ ስግግር ፍረ የፍሪ ኣሎ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዓርሰ ብምግቢ ንምኽኣል እትገብሮ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ሎሚ እውን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ፅግዕተኛነት ናብ ኣፍራይነት ንምስግጋር ዓወታት ይምዝገብ ኣሎ።
እዚ ንዘመናት ኣብ ተፀባይነት ተገዲቡ ዝነበረ ዓብዩ ሓይሊ ሰብ፣ ናብ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላዊነት ዝግበር ስግግር ብዘተኣማምን መልክዑ መሰረት ኮይኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።
ሎሚ ጀሚርናዮ ዘለና ናይ ፖሊሲ ዓወት፣ ንፅባሕ ብምግቢ ዓርሳ ዝኽኣለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝቀላጠፍ ዘሎ ታሪኻዊ ከይዲ እዩ።
ነዚ ዓወት መሰረት ዝኾነ ቀንዲ ስጉምቲ ፖሊሲ ውሽጣዊ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ብቆራፅነት ክንትግብር ምኽኣልና እንትኾን በዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣብ ረዲኤት ዝተንጠልጠለ መሓውር ፅግዕተኛነት ሰቢርና ኣብ ውሽጣዊ ኣፍራይነት ከተተኩር ምኽኣልና እዩ።
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝወሰድናዮ ፖሊሲታት ልምዓት ክላስተር ሕርሻን መስኖ ስርናይን ሓረስቶት ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ከፍርዩ ብምኽኣል፤ በዚ ድማ ካብ ገዛውቲ ክሳብ ብደረጃ ሃገር ውሕስነት ምግቢ ክረጋገፅ ተገይሩ ።
በዚ መገዲ ንኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ስርናይ ናብ ሰደድቲ ስርናይ ዝቐየረት ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ከፊትና።
ካልእ ስትራተጂካዊ ዓወት ድማ ፖሊሲ ድሕነት መርበብና ካብ ወግዓዊ ናይ ደገፍ ማዕቀፍ ናብ ንቁሕ ልምዓት ተሳትፎ ዝሰጋገረሉ ከይዲ እዩ።
መንግስቲ ካብ ተፀባይነት ከም ቀዋሚ ኣማራፂ ዝሓስቡ ዜጋታት ብምቕያር ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ክሳተፉን ዓርሶም ክምርኮሱን ዘኽእሉ ተኸታተልቲ ስጉምትታት ፖሊሲ ይወስድ ኣሎ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.