ብሕቡራት መንግስታት ዝተንኣዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብመሪሕነት ኢትዮጵያን ዓወታት ልምዓትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣጀንዳ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምስላጥ ዘካይድዎ ዘለው ብቕዓት ኣመራርሓ ዝነኣድ እዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ክሊማ እትሰርሖ ስራሕ ብምንኣድ፤ ጉባኤ ኩነታት ኣየር ዓለም ክተተአናግድ ምምራፃ ዓብዩ ኣህጉራዊ ሓላፍነት እዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ተግባራት ለውጢ ካባቢ ኣየር ትኹረት ካብ ዝውቦም ኣጀንዳታት ልምዓት ኣብ ምውህሃድ ዘመዝገበቶ ዓወት ተመኩሮ ነዚ ታሪኻዊ ተራ ብቑዕ ከምዝገበራ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲ ዝተተኸለላ ኣብ ዓለም ካብ እቲ ዝዓበየ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ተባሂሉ ዝግለፅ ፕሮግራም ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ ክሊማን ዘላቒ ልምዓትን ንሃገራት ኣፍሪካ ሓድሕዳዊ ምድልዳል ዕማማት ምዃኖም ገሊፆም።
ፃዕርታት ልምዓት ኣፍሪካ ብሰንኪ ዓለማዊ ኢኮኖሚ ዕብየት፣ፅዕንቶ ፋይናንስን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪን ይሓልፍ ከምዘኮ ብምሕባር፤እዚ ብድሆታት ነቲ ዓብዩ ዕላማታት እታ ኣህጉር ዝተለመቶም ዓወታት ከውፅኡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመሳፍንት ብርሌ