ነበር ተፃዋታይ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣሽሊ ያንግ ጫማ ሰቒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ተፃዋታይ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣሽሊ ያንግ ጫማ ምስቓሉ ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣብዚ ውድድር ዓመተ ምስ ክለብ ሻምፒዮንሺፑ ኢፕስዊች ታውን ይፃወት ዝነበረ ኮይኑ፤ ኣብ 40 ዓመት ዕድሚኡ ጫምኡ ሰቒሉ።
እዚ ተፃዋታይ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፣ ዩሮፓ ሊግ፣ ካራባኦ ካፕ፣ ኤፍ ኤን ኮሚኒቲ ሺልድን ተዓዊቱ።
ምስ ጣልያዊ ክለብ ኢንተር ሚላን እውን ናይ ጣልያን ሴሪ ኤ ዋንጭኡ ምዕዋቱ ይዝኸር።
ማንቼስተር ዩናይትድን ኢንተርሚላንን ብተወሳኺ ምስ ኣስቶን ቪላ፣ ኤቨርተን፣ ዋትፎርድን ኢፕስዊች ታውንን ምፅዋት ክኢሉ።