ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ንዘይምውራድን ፅዋዕ ንምዕታርን …
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 36 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 12፡30 ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ።
ኣርሰናል 76 ነጥቢ ብምእካብ ነቲ ሊግ እናመርሐት እንትትከውን፥ ተጋጣሚታ ዌስትሃም ዩናይትድ ብግደኣ 36 ነጥቢታት ብምእካብ መበል 18 ደረጃ ብመሓዝ ኣብ ሓደጋ ምውራድ ትርከብ።
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ ሓሙሽተ ንምስፋሕ ነብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ኣብ ሓደጋ ምውራድ ትርከብ ዌስትሃም ብግደኣ÷ ኣብቲ ሊግ ንምፅናሕ ኣብ ትገብሮ ንሕንሕ እቲ ናይ ሎሚ ፀወታ ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ።
ቅድሚ እቲ ፀወታ ብተመሳሳሊ ሰዓት 10 በርንሌይ ምስ ኣስቶንቪላ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ከምኡ እውን ክሪስታል ፓላስ ምስ ኤቨርተን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ።