Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ጎዳና ሽማ ክተፅውዕ ዝፀንሐት ኣትሌት የብርጓል መለስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያዊት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ጉያ ኣትሌት የብርጓል መለስ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ጎዳና ሽማ ክተፅውዕ ፀኒሓ፡፡
አትሌት የብርጓል ካብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ኣትሒዙ ብዙሓት ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ውድድራት ብምኽፋል ዕውት ውድድራት ኣብ ኣትሌቲክስ ተሳቲፉ እያ።
እታ ኣትሌት ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ተሳቲፋ ንሃገራ መዳልያታት ንክትረኽብ ኣኽኢላ እያ።
ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መላእ ኣፍሪካ ሃገራ ወኪላ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ነሓስ መዳልያ ምዕዋታ ይዝኸር።
ከምኡ እውን ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ዓለም ለኸ ጎደና ውድድራት ሽማ ዘፀወዐት ኣትሌት፤ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቺካጎ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ነይራ።
ኣብ ማራቶን ሻንጋይ፣ፕራግን ሂውስተንን እውን ብቀዳመይቲ ምዕዋት ክኢላ።
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ፓሪስ ክልተ ግዜ ዝተኣወተት ኮይኑ፤ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ሊዝበን እውን ውድድራ ብቀዳማይቲ ምዝዛማ ኣይርሳዕን፡፡
ኣብ ካናዳ ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ኦታዋ ሃገራ ወኪላ ክትሳተፍ ሕልሚ ዝነበራ ኣትሌት የብርጓል መለስ ብቕሚ ትማሊ ብሃንደበት ህይወታ ምሕላፉ ይፍለጥ፡፡
ኣብ ሚያዝያ 1982 ዓ.ም ዝተወልደ ኣትሌት ብ4 ግንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ መበል 36 ዓመታ ኣብ ስፖርት መስርሒ ጃን ሜዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሃንደበት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ እታ ኣትሌት ሎሚ ሰዓት 6 ቀትሪ ኣብ መንበረ ፀባኦት ካቴድራል ቅድስቲ ስላሴ ቤተ ክርስቲያን ክፍፀም እዩ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.