Fana: At a Speed of Life!

ተዓዋቲት ወርቂ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 38 ፀወታታት ሓንቲ ፀወታ ከይተሳዕረት ተዓዋቲት ወርቂ ዋንጫ ምኳን ዝኽኣለት እንኮ ክለብ እያ።
ሰሜናዊት ክለብ ለንደን”ዘ ኢንቪንስብል” (ዘይስኮኑ) ብዝብል ዝፍለጥ ብድሙቕ ታሪክ ዝፀሓፈ ቅድሚ 22 ዓመት ከምዛ ሎሚ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ብፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ኣርሴን ቬንገር እትምራሕ ዝነበረት ኣብቲ ሊግ ሎሚ እውን ንካልኦት ክለባት ዘይተከእ እቲ ውፅኢት ኣብ 2003/04 ውድድር ዓመት ኣዕዊታቶ፡፡
ኣብቲ ውድድር ዓመት ኣብቲ ሊግ ኣብ ዘካየደቶ 38 ፀወታታት 26 ተዓዊታ ኣብ 12 ማዕረ ዝተፈላለየት ኮይና 90 ነጥቢ ብምእካብ ካብ ናይ ቀረባ እትስዕባ ቼልሲ ብ11 ነጥቢ ርሒቃ ሻምፕዮን ኮይና ኣላ።
ቅድሚ ሕዚ ብዘይምስዓር “ዘ ኢንቪንስብል” ዝብል መዓርግ ዝረኸበት እታ ክለብ ኣብ 1888/9 ዓ.ም.ፈ ፕረስተን ኖርዝ ኤንድ እያ ነይራ ፡፡
እንተኾነ ግን ኣብቲ እዋን እቲ ሊግ ኣብ ሓደ ዓመተ ስፖርት 27 ፀወታታት ጥራይ የካይዱ ስለ ዝነበሩ እዚ ማለት ኣርሰናል ኣብ 38 ፀወታታት ነዚ ታሪክ ዘመዝገበት እንኮ ክለብ ኮይና ኣላ።
ኣርሰናል ኣብቲ ውድድር ዓመተ 4 ፀወታታት ተሪፍዋ ሻምፕዮን ብምኳን ዘረጋገፀት እንትትኾን ዘይተሳዕረትሉ ጉዕዞ ኣብ መወዳእታ ዝበፅሓሉ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነይሩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.