ሪያል ማድሪድ ካብ ጋንታታት ዓለም ክባር ጋንታ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስፔናዊ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ኣብ ዓለምና ክባር ጋንታ ምዃና ፎርብስ ዕላዊ ገይሩ።
ፎርብስ መፅሔት ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፤ ሪያል ማድሪድ ብ9 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ክባር ጋንታ ክትከውን ክኢላ ኢሉ፡፡
ሪያል ማድሪድ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ዕዉት እዋን ኣይተሕልፍ እምበር ንሓሙሻይ ተኸታታሊ ዓመት ኣብ ዓለም እታ ዝኸበረት ጋንታ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ፡፡
ካሊእ ጋንታ ስፔን ዝኾነት ባርሴሎና ብ7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር 2ይቲ ዝኸበረት ጋንታ እንትትከውን÷ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ብ7 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ኣብ 3ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሊቨርፑል ብ6 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላርን ፒኤስጂ ብ5 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ዋጋ 4ይን 5ይን ደረጃ ሒዘን፡፡
ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ብ5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ኣብ 8ይ ደረጃ ተቐሚጣ፡፡
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ፕሪሜር ሊግ ምፅናሓ ዘረጋገፀት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ብግደኣ ብ3 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ኣብ 10ይ ደረጃ ተሰሪዓ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ