ከይዲ መሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ መሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ተዛዚሙ ኢሉ ኮማንድ ፖስት መረፃ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ድምፂ ናይ ምሃብ ከይዲ ፍፁም ሰላማዊን ዕዉትን ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ኣብ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተወደበ ኮማንድ ፖስት መረፃ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ዝሓለፈ እንትኸውን÷ 24 ግንቦት ቀትሪ ይኹን ለይቲ ምንም ዓይነት ገበን ከምዘይተፈፀመ ተገሊፁ።
ድምፂ ናይ ምሃብ ስርዓት ብወት ንኽዛዘም መራፂ ህዝቢ፣ ኣፈፀምቲ መረፃ፣ ሕፁያትን ተዓዘብቲን ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦን ሓላፍነቶም ብግበእ ንዝተዋፅኡ መላእ ኣካላት ፀፅታን እቲ ኮማንድ ፖስት ምስጋና ኣቕሪቡ።
እቲ ምሃብ ደምፂ ካብ ዝተዛዘመሉ ሰዓት ጀሚሩ ቆፀራ ድምፂ ከምዝቐለ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ድሕረ መረፃ ዘሎ ከይዲ ብተመሳሳሊ ብዓወት ንኽውገን መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፀዊዑ።