ኣብ ከተማ ኣጋሮ ግዚያዊ ውፅኢታት መረፃ ይልጠፉ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል መረፃ ጎማ 2 ከተማ ኣጋሮ ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ግዚያዊ ውፅኢታት መረፃ ይልጠፉ ኣለዉ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ህዝቢ ብእርይ ቁፅር ወፂኡ ድምፂ ምሃቡ ይፍለጥ፡፡
በዚ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ግዚያዊ ውፅኢታት ንህዝቢ ግልፂ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት እናተለጠፉ እንትኾኑ÷ መረፅቲ እውን ነቶም ውፅኢታት እናተመልከተ ይርከብ።