ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ከይዲ ምሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ከምዝኾነ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ከይዲ ምሃብ ድምፂ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ከምዝኾነ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ብሙሉእ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ከምዝሓበሮ፤ ላዕለዎት ኣራርሓ እቲ ኣገልግሎት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም ዝተዋደደን ውፅኢታዊ ዝኾነ ስትራቴጂክ ኣመራርሓን ሂቦም፡፡
መላእ ኣባል እውን ዝተውሃቦ ወፍሪ ብልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ቀትሪን ለይቲን ብምስራሕ መረፃ ንሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ዕዙዝ ግደ ተዋፂኡ፡፡
“መረፃ ንሃገራዊ ድሕንነትን ሰላምን ዘበርክቶ ረብሓ ምስ ትካላዊ ልኡኽቶ ኣተኣሳሲርኩም ብልዑል ብቕዓት ዝመራሕኹምን ዝፈፀምኩምን መላእ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ከይዲ ብዓወት ንኽዛዘም ዘበርከትኩምዎ ኣስተዋፅኦ ብራኸ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ዘርኢ ኮይኑ ስለዝፅራሕ ነመስግን” ኢሉ።
‹‹ድሕንነት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ!›› ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብምእካብ እቲ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም ምስቲ ትካል ብምትሕብባርን ብምሕዝነትን ልኡኽቶኦም ዝተዋፅኡ ኣካላት ፀፅታን ሓበሬታን ፌዴራልን ክልልን እውን ዕዝዙዝ ምስጋና ከምዝግበኦም ገሊፁ፡፡