“ኢቲቱ” ዝተብሃለ ፀባ ከርግእ ዝኽእል ፕሮ ባዮቲክ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ብባዮ ቴክኖሎጂ “እቲቱ” ዝተባህለ መርግኢ ፀባ ፕሮ ባዮቲክ እርሾ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ኢንስቲትዩት ነቲ ሓድሽ ውፅኢት መፅናዕቲ ዝገለፀሉ ሎሚ ዝካየይ ዘሎ መዓልቲ ዓለም ፀባ ምክንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ሓባራዊ መድረኽ ዘተን ዓውደ ምርኢትን እዩ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ንጉሴ ደቻሳ (ፕ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ “ኢቲቱ” ዝተብሃለ ሓድሽ ፕሮ ባዮቲክ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ፀባ ንመፍረይቲ ትካላት ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝኣትዉን እርሾ ዝትክእ ምዃኑ እዩ።
እዚ ውፅኢት መፅናዕቲ ንመፍረይቲ ፀባ ሸርፊ ወፃኢ ከድሕን ጥራይ ዘይኮነስ ፓስቸራይዝድ ዝኾነ ፀባ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት ክርግእ ከምዝኽእል ሓቢሮም።
እቲ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ዘካይደሎም ቀንዲ ፍርያት ሕርሻ ፀባን ውፅኢት ፀባን ምዃኖም ኣብሪሆም፣ እቲ ፍርያት ንውሕስነት ምግብን ጥዕናን ኣገደስቲ ዝኾኑ መኣዛታት ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሆም።