ረቂቕ ባጀት 2019 ዓ.ም ልዕሊ ብር 2.3 ትሪሊየን ብምዃን ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 56 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ማክሮ ኢኮኖሚን ማዕቐፍ ፊስካልን ማእኸላይ ዘበን(2019-2023) ጠሚቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፥ ዝተማልአ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ድሕሪ ምክያዱ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበርዎ ብድሆታት እናተናገፈን መሰረታት ኢኮኖሚ እናሐየለን ምምፅኡ ርእዩ።
ስለዝኾነ እቶም ዝተረኸቡ እወንታዊ ውፅኢታት ብዝበለፀ ንምሕያልን መሰረት ንከንፅፍን ንምኽኣልን ዓሊሙ መበገሲ ምድላው በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ዓ.ም ኮይኑ ንከገልግል ዝቐረበ ማዕቐፍ ብዕምቆት ብምዝታይ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ረቂቕ ኣዋጅ ባጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ዓ.ም ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ ባጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ዓ.ም መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝኾነ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን 2019-2021 ዝተቐመጡ ሸቶታትን ማክሮ ኢኮኖሚን ማዕቐፍ ፊሲካልን ማእኸላይ ዘበን (2019-2023) መሰረት ብምግባር ምቕራቡ ርእዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ክህልዉ ዝኽእሉ ኣንፈታትን ዕላማታትን ማሕበራዊን ኢኮኖሚ ትራንስፎርሜሽን ከምኡ ‘ውን ብመንግስቲ ዝተቐመጡ ሸቶታት ንምዕዋት ዓቕሚ ፋይናንስ መንግስቲን ኣፈፃፅማ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ብመንፅር ዝተውሃቦም ልኡኽን ሓላፍነትን ዘድሊ ወፃኢ ብምግምጋም ተዳሊዩ ምቕራቡ ኣረጋጊፁ።
ብመሰረት እዚ ንስሩዕ ወፃኢታት፣ ካፒታል ወፃኢታት፣ ደገፍ መንግስቲ ክልላት፣ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንክውዕል ዓሊመሙ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ 2 ትሪሊየንን 339 ቢሊየንን 268 ሚሊየንን 126 ሺሕን 738 ብር ባጀት ብዕምቆት ብምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።