ረቂቕ በጀት 2019 በጀት ዓመት 2 ነጥቢ 339 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2 ነጥቢ 339 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ዓመት 2019 ዘተ ይካየደሉ ኣሎ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ እቲ ረቂቕ በጀት መግለፂ ናብ ባይቶ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፤ እቲ በጀት መንግስቲ ዝሓዞም ትልምታት ልምዓትን ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ እዩ።
ኣብ በጀት ዓመት 2019 ካብ ዝቀረበ በጀት 1 ነጥቢ 236 ትሪሊየን ብር ንመደበኛ ወፃኢታት፣ 568 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ኣብ ካፒታል ወፃኢ ከምዝውዕል ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ 520 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ዝውዕል በጀት ድጋፍ ከምዝውዕልን 14 ቢሊየን ብር ድማ ሸቶ ዘላቒ ልምዓት ክልላት ንምትግባር ከምዝውዕልን ገሊፆም።
ካብ ብሓፈሻ በጀት 52 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዝኸውን ልዑል በጀት ንመደበኛ ወፃኢ ዝተመደበ ምዃኑ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ 542 ቢሊየን ብር ንውሽጢ ዓድን ወፃእን ክፍሊት ዕዳ ከምዝውዕል ሓቢሮም።
ብሃይለማርያም ተገኝ