ቱኒዚያ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ድሕሪ ስዕረት ሓደ ፀወታ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ መዚዛ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 እትሳተፍ ዘላ ቱኒዚያ ድሕሪ ስዕረት ሓደ ፀወታ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ መዚዛ።
እታ ሃገር ኣብ ፈላማይ ፀወታ ዘጋጠማ 5 ን 1 ስዕረት ስዒቡ ኣሰልጣኒ ሳብሪ ላሞቺን ካብ ሓላፍነት ኣሰናቢታ።
ኣብ ክንደኦም ድማ ወዲ 57 ዕድመ ፈረንሳያዊ ኣሰልጣኒ ሄርቬ ሬናርድ ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጋንታኣ ንክኾኑ መዚዛ ኣላ።
ሄርቬ ሬናርድ ኣብ ዘበነ ኣሰጣኒነቶም ቱኒዚያ መበል ሓምሸይቲ ኣፍሪካዊት ብሄራዊ ጋንታ ኢያ።
ቅድመ ሐዚ ንብሄራዊት ጋንታ ዛምቢያ፣ ኣንጎላ፣ ኮት ዲቯርን ሞሮኮን መስልጣኖም ይዝከር።