Fana: At a Speed of Life!

ዕላማ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ወይ ንምስዓብ ዘይኮነስ ንምምራሕ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዕላማ ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ወይ ንምስዓብ ዘይኮነስ ንምምራሕ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
“ካብ ለውጢ ናብ ዘላቒ ስግግር” ብዝብል መሪሕ ሐሳብ “ኢትዮጵያ ክትገብሮ እያ” ብዝብል ኣርእስቲ ሃገራዊ ጉባኤ ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር፤ ኣብ ምሉእ ታሪኻ ልኡላውነታ ዓቂባ ዝፀንሐት ብተደጋጋሚ ትሑት ግምታት ዝሰገረት ጥንታዊት ስልጣነ ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሮም።
ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ብፃዕሪ ህዝቢ ምህናፁ ናይዚ መረጋገፂ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብጥንካረታታ ዘይኮነስ ብድሆታታ ክትግለፅ ከምዝፀንሐት ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ ውፅኢት ቀፃሊ ፃዕሪ ኣብ ኢኮኖሚ ትካላትን ሕብረተሰብን ክረአ ምጅማሩ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ተሃድሶ ዕብየት ንምቅልጣፍን ንዝመፅእ ወለዶ ድልዱል መሰረት ንምንፃፍን ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ትኹረት እቲ ስራሕ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
በዙይ እውን ዝቅባበ ዋጋ ኣብዚ ዓመተ ንመጀመርታ ካብ ዝነበረ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ብዓብዩ ኩነታት ከምዝነከየ ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.