Fana: At a Speed of Life!

ሪያድ ማህሬዝ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጄሪያ ንባዕሉ ኣግሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣልጄሪያዊ ተፃዋታይ ክፍሊ መስመር ምጥቃዕ ሪያድ ማህሬዝ ንባዕሊ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ምግላሉ ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣልጄሪያ ኣብ ፅዋዕ ዓለም 32 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሎሚ ወጋሕታ ብስዊዘርላንድ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ምስተሰናበተት ኢዩ እቲ ተፃዋቲ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ንባዕሉ ኣግሊሉ ዘሎ፡፡
ማህሬዝ ኣብዚ ፅዋዕ ዓለም ንኣልጄሪያ ብኣምበልነት እናመርሐ ኣብ ዝገበሮም ኣርባዕተ ፀወታታት 2 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሓንቲ ንሸቶ ዝኾነት ኩዕሾ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ማህሬዝ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጄሪያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ 119 ፀወታታት ተፃዊቱ 40 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 45 ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾታ ኣመዓራሪዩ ኣቐቢሉ፡፡
ኣብ 2019 ምስ ሃገሩ ኣልጄሪያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝተዓወተ እንትኸውን፥ ኣብ 2016 ድማ ዝበለፀ ተፃዋታይ ኣፍሪካ እቲ ዓመት ተባሂሉ ምምራፁ ይዝከር፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.