ህንፀት ዘበናዊ መንበሪ መንደር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣጀሚርና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንፀት ዘበናዊ መንበሪ መንደር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣጀሚርና ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ምምሕዳር ከተማና ኣብ ትካል ፖሊስ እናሰራሕናዮም ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርምን እቲ ሰራዊት ብህዝቢ ዝተነበረሉ ሓደራ ብግቡእ ንኽዋፃእ ዝግበር ተግባር “ናይ ሰራዊት መንደር ክንሃንፅ ኢና” ኢልና ዝኣተናዮ ቃል ሎሚ ናብ ተግባር ኣሰጋጊርና ኢለን።
እናዓበየትን እናዘመነትን ምስ ዝመፅአት 3ይቲ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዓለምን ኣፍሪካን ዝኾነት ከተማና ንኣዲስ ኣበባ ዘገልግል ፖሊስ ሰራዊት ዝጀመርናዮ ህንፀት መንበሪ ገዛ በዓል 15 ደብሪ ዝኾኑ 12 ህንፃታት እንትኾኑ፤ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶታት ኣባላት እቲ ሰራዊት ብምንካይ ብትግሃትን ብግቡእን ንህዝቡ ንኸገልግል ንምግባር ኢዩ።
ብልዑል ትግሃት እቲ ኮሚሽን ዝተጀመሩ ኣባላት እቲ ሰራዊት ኣብ ቴክኒክ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ክዕጠቑ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምኡ እውን ናይቲ ሰራዊት ህይወት ንምምሕያሽ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ሓገዝና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢለን።