Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ተሓጋጊዝካ ናይ ምሕላፍ ባህልና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኣለና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፀገማት ተሓጋጊዝካ ናይ ምሕላፍ ባህልና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኣለና ኢለን።
እተን ከንቲባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 30 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ኣብ ክ/ከተማ ለሚ ኩራ ብዕሊ መሪቐን ኣገልግሎት ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ እቶም ማእኸላት ምገባ ምጥያሾም ንዜጋታትና ዘለና ክብሪን ፍቕሪን መግለፂ ኢዩ ኢለን።
ኣብታ ከተማ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ብምሕባር፤ እዚ ድማ መንግስቲ ንዜጋታትና ተረባሕነት ዝሃቦ ትኹረት ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
መበል 30 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ብልምዓትን ንዝተልዓሉን ቀዋሚ ኣታዊ ዘይብሎም ዓቕመ ደካማ ክፋላት ማሕበረሰብን ንምድጋፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ምገባ ማእኸል እጃም ዝነበሮም መዳርግቲ ኣካላት ኣመስጊነን።
ብጀማል ኣህመድ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.