ኔይማር ጁንየር ካብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ምውፅኡ ኣፍሊጡ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብራዚል ትማሊ ምሸት ኣብ ዙር 16 ፅዋዕ ዓለም 2026 ብኖርዌይ ዘሰንብድ ስዕረት ብምትእንጋዳ ካብቲ ውድድር ተኣልያ ኣላ፡፡
ኣብ መበል 67 ደቂቃ ንጋብሬል ማርቲኔሊ ተኪኡ ናብ ሜዳ ዝኣተወ ኔይማር ዳ ሲልቫ ሳንቶስ ጁንየር ፍፁም ቅላዕ ብምምዝጋብ ንብራዚል ካብ ስዕረት ኣየድሐናን።
ድሕሪ እቲ ፀወታ ብዓሚቕ ሓዘን ዝተራእየ ኔይማር ጁንየር ንብዓት እናነብዐ ካብ ብሃገራዊትጋንታ ምውፅኡ ኣፍሊጡ።
እዚ ወዲ 34 ዓመት ተፃዋታይ “ምስ ብራዚል ፅዋዕ ንምዕዋት ብዙሕ ፈቲነ፤ ምስታ ጋንታ ዝጀመርክዎ ብድሆ ኣብዚ ስታድዩም ሜትላይፍ ወዲአዮ ኣለኹ” ክብል ተሰሚዑ።
ኔይማር ንሃገራዊት ጋንታ 80 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ኩሉ ግዜ ብሉፅ ኣመዝጋቢ ሸቶ እታ ሃገር ኮይኑ፤ ኣብ 2014፣ 2018ን 2022ን ንብራዚል ወኪሉ ናይ ሎሚ ዓመት ፅዋዕ ዓለም ሓዊሱ 4 ግዜ ተሰሊፉ።
ብኣቤል ነዋይ