Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂን ምላሽን ክህቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ 30 ሰነ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣፈፃፅም ሪፖርት መንግስቲ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ከቕርቡ እዮም።
6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣብ 5ይ ዓመት ዘመን ስርሑ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም ናይ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣፈፃፅም ሪፖርት መንግስቲን ናይ 2019 ዓመት በጀት ዓመታዊ በጀት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ክህቡ እዮም።
ብዝተተሓሓዘ እቲ ቤት ምኽሪ ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ብዛዕባ ናይ 2019 ዓመተ በጀት ረቂቕ በጀት ኣመልኪቱ ዝቐርብ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን መሪሚሩ ነቲ ኣዋጅ በጀት ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።
ኣብቲ ኣኼባ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት፣ ወከልቲ ዓለምለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት ከምኡ’ውን መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ክሳተፉ እዮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.