Fana: At a Speed of Life!

ሃይማኖታት ናይ ሰላም እምበር ናይ ጎንፂ ምኽንያት ኮይኖም ኣይፈልጡን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ሃይማኖታት ናይ ሰላም እምበር ናይ ጎንፂ ምኽንያት ኮይኖም ኣይፈልጡን ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ንሕቶን ምላሽን ኣባላት እቲ ባይቶ መብርሂ እናሃቡ ይርከቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ጎንፂታት ከምዘለዉ ተገይሮም ዝቐርቡ ሓበሬታታት ዝተሰሓሓቱ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ታሪኽ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናይ ምትብባርን ሓቢርካ ምስራሕን ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡

መብዛሕተኦም ጎንፂታት ናይ ታሪኽ ናይ ብሄር፣ ርእዮተ ኣለም፣ ልዕልነት ኢኮኖሚን ሓይሊን ከምኡ እውን ናይ ግዝኣት ምስፍሕፋሕ ከምዝኾ ብምሕባር፥ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ድሌታት ብሽፋን ሃይማኖት ንምፍፃም ፈተነታት ከምዘለዉ ኣልዒሎም፡፡

እምነታት ናይ ሰላም እምበረ ናይ ጎንፂ ምኽንያታት ኣይኮኑን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ኢትዮጵያ ሙስሊማት ገንዘብ ኣዋፂኦም ቤተክርሰቲያን ዝሰርሑሉን ክርስቲያናት ገንዘብ ኣዋፂኦም መስጊድ ዝሰርጉላን ሃገር ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም፡፡

ይኹን እምበረ ሸፋቱ ንእኩይ ዕላማኦም ናይ ሃይማኖት ጎንፂ እንትፈጥሩ ሓሻኽሮም ድማ እቲ ጎንፂ ብምምብልባል ንምብእኣስ ይፍትኑ ኢሎም፡፡

ንኣብነት ኣብ ቀረባ እወን ኣብ ኣርሲ ዘጋጠመ ሸፋቱ መጥቃዕቲ ብምፍፃም እኩይ ልኡኽቶኦም ንምዕዋት ፈተነ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ምስ ኣካላት ፀፅታ ዝተፈጠረ ጎንፂ እምበር ናይ ሃይማኖት ጎንፂ ከምዘይነበረ ኣብሪሆም፡፡

በቲ ጎንፂ ካብ ዝሞቱ 11 ሰባት እቶም ሸሞንቲ ኣካላት ፀፅታ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ ነገር ግን እቲ ኣጋጣሚ ሃይማኖታዊ ከምዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ክርስቲያናት ከምዝተጠቕዑን ተገይሩ ዝተወሰደ ሓበሬታ ናይ ሕሶት ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝተጋወሐ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተገበሩ ሽርሒታት ሓደ ኣካል ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ ምስቲ ጉዳይ ተተሐሒዙ 22 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

በቲ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ነናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣዲስ ኣበባ ተቐሚጦም ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዘጋውሑ ውልቀሰባት ግን ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.