ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስራሕ እኳ እንተሃለወ ሰራሕተኛ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስራሕ እኳ እንተሃለወ ሰራሕተኛ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃቡዎ መልስን መብርህን፣ ወለዲ ካብ ከተማ ወፃኢ ዘለዉ ዕድላት ስራሕ መንእሰያት ክፍትኑ ክተባብዑ ከም ዘለዎም ኣስሚሮም።
ንኣብነት ኣብ ህንፀት ዘሎ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብቁዕ ሓይሊ ሰብ ምርካብ ዘፀግም ምኳኑ ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ቁፅሮም ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምሕባር፣ ንተመሳሳሊ ስራሕ ካብ ሃገር ወፃኦም ዝሰርሑ ዜጋታት ቁፅሮም ልዑል ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለዉ መንእሰያት ኣብ መዓልቲ ክሳብ 16 ሰዓት ብምስራሕ ህይወቶም ከም ዝቕይሩ እንትኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ መንእሰያት ግን ግዜ ብኣግባቡ ኣብ ምጥቃም ክፍተት ከም ዘለዎም ገሊፆም።
ብእመቤት ሲሳይ