በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም 2 ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ፀዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ቢ ሲ)በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም መንግስቲ ፌደራል 2 ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ፀዲቑ፡፡
5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ፡፡
ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን፤ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን በጀት ዓመት 2019 መንግስቲ ፌደራል ኣቒሪቡ፡፡
ብመሰረት እዚ 2 ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ዝቐረበ በጀት 2019 መንግስቲ ፌደራል እቲ ቤት ምኽሪ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡
ዝፀደቐ ሓፈሻዊ በጀት ምስ በጀት ዓመት 2018 እንትነፃፀር ናይ 411 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ወይ እውን 21 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘለዎ ተመልኪቱ፡፡