ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ድሕሪ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ድሕሪ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይድና ኢሎም።
ኣብዚ እዋን ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ተስፋ ምትካልና ክንቅፅል ኢና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ሎሚ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርህን ከም ዝሃቡ ይፍለጥ።