Fana: At a Speed of Life!

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪሲያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር፡፡

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ጉዳያት ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ እዋናዊ ዓለም ለኻዊን ጉዳያ ሓሳብ ተለዋዊጦም፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ዘተ እቶም ሚኒስትራት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ዘተ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ታሪኻዊኻክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ።

ካብ ክልተኣዊ ርክብ ብዝዘለለ ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ምትሕብባረን ብዝበለፀ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም።

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.