Fana: At a Speed of Life!

ብዙሕ ሞያታት ዝርከበሉ ውትድርና…  

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ውትድርና ብዙሕ ሞያ ዝርከበሉ ኢዩ ኢሎም ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ማእኸል ስፖርትን ስነ-ጥበብን ሰራዊት ምክልኻል ብምብጻሕ፤ ሓፈሻዊ ንጥፈታትን ስራሕቲ ልምዓትን ተዓዚቦም።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ማእከል ኣብ ብታሪኹ ንሃገር ብዙሓት ዓበይቲ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ኪነ-ጥበብን ከም ዘፍረየ ገሊፆም።

እዚ ፅቡቕ ስምን ክብርን ብምቕፃል፣ ሓደሽቲ ተተካእቲ ከፍሪ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ስራሕቲን ንኽዕወቱ ዘድሊ ሓገዝን ምትሕብባርን ከም ዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ እቲ ማእከል ብርጋዴር ጀነራል ጌትነት ኣዳነ ብወገኖም፤ ስራሕቲ ወታደራዊ ስነ-ጥበብ ታሪኻዊ ትሕዝቶኦምን ኣመስራርተኦምን ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ብስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸ መድረኻትን ብንቕሓት እናተሳተፈ ስም ሃገሩ እናፀወዐ ከምዝርከብ ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.