Fana: At a Speed of Life!

ኢንዱስትሪ፤ ጉዕዞ ሓሙሽተ ዓመታት ኣፈፃፅማ ዝተኣተው ቃላትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ምድማር ኣብ 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ ዘቕረቦም ቀንዲ ኢኮኖሚያዊ ዓንዲታት እቲ ሓደ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግን ኢንዱስትሪን ነይሩ።

ፓርቲ ብልፅግና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት መንግስቲ ምስ መስረተ፣ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ምዕባይ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ብ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ምትካእ፣ ንግዲ ወፃኢ ምዕባይን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ዝብሉ ዓበይቲ ቃላት ተኣትዩ ነይሩ።

እቲ ዝተኣተወ ቃል ኣፈፃፅማ እንትንርኢ፡-

  1. ኢትዮጵያ ተፍሪ ምንቅስቃስን ምትካእ ፍርያትን

ዝተኣተወ ቃል፦ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ኢንዱስትሪያዊ ፍርያት ምዕባይን ናይ ምግቢ፣ ጨርቃ ጨርቕን ህንፃን ዝምልከቱ እታዎታት ብውሽጢ ሃገር ምትካእ ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን።

ኣፈፃፅማ፦

  • ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ተፍሪ፦ መንግስቲ ኣብ ዘፈር ኢንዱስትሪ ዝነበሩ መሰናኽላት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝተባህለ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ብዕሊ ጀሚሩ። እዚ ድማ ኣብ ምንቅስቃስ ኤሌክትሪክ፣ ፋይናንስን ቦታን ተዓፅዮም ዝነበሩ ብዙሓት ንኣሽቱ፣ ማእከላይን ዓበይትን ፋብሪካታት ዳግማይ ናብ ስራሕ ክምለሱ ተኻኢሉ።
  • ዓወት ምትካእ ፍርያት፦ ሲሚንቶ፣ ብረት፣ ዘይቲ ምግቢ፣ ክዳውንቲን ኬሚካላዊ ፍርያትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስፍሓት ክፈርዩ ብምኽኣሎም፣ ቅድሚ ሕዚ ንምግዛኦም ዝወፅእ ዝነበረ ቢሊየን ዶላራት ዝቑፀር ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ።
  1. ኣጠቓቕማ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ንግዲ ወፃኢን

ዝተኣተወ ቃል፦ ኩሎም ኣብ ሃገር ዝተሃንፁ ዓበይቲ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ምሉእ ዓቕሞም ክሰርሑ ምግባር፣ ካብ ጨርቃጨርቕ፣ ቆርበትን ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ዝርከብ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ምዕባይ።

ኣፈፃፅማ፦

  • ምዕባይ ተሳትፎ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ፦ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓዋሳ፣ ኮምቦልቻን ቦሌ ለሚን ዝነበሩ ብዙሓት ኩባንያታት ወፃኢ እኳ እንተነበሩ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ውሽጣዊ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ክኣትዉን ከፈርዩን ሰፊሕ ደገፍን ቦታን ተመቻችዩ።
  • ምስፍሓት ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ፓርክታት፦ ኣብ ክልላት ዝተሃፁ መቀነባበሪ ሕርሻ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ከም ይርጋለም፣ ቡሬን ቡልቡላን ዝኣመሰሉ ኣብ ፍርያታት ሕርሻ ምውሳኽ ውሽጢ ሃገርን ንወፃኢ ዕዳጋን ምቕራብ ጀሚሮም።
  1. ፈጠራ ዕድል ስራሕን ቀረብ ፋይናንስን

ዝተኣተወ ቃል፦ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣቢሉ ንናይ ከተማ መንእሰያት ሰፊሕን ዘላቕን ዕድል ስራሕ ምፍጣር።

ኣፈፃፅማ፦

  • ምፍጣር ዕድል ስራሕ፦ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማኒፋክቼሪንግ ብፍላይ ኣብ ንኣሽቱን ማእከላይን ኢንተርፕራይዛት፣ ንብዙሓት ኣሽሓት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ።
  • ምምሕያሽን ማክሮ-ኢኮኖሚን ቀረብ ልቃሕ፦ ድሕሪ እቲ መንግስቲ ዝገበሮ ማክሮ-ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ፣ ባንክታት ንዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ዝህብዎ ልቃሕ ከዕብዩን ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ብቀዳምነት ክወሃቦምን መምርሒታት ወፂኦም።

ብሓፈሻ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣቢሉ፣ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ብምንቅቃሕ ፍርያት ወፃኢ ብምትካእን ዘርኣየ ቆራፅነትን ኣፈፃፅማ ዝነኣድ እዩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ንኢንዱስትሪታት ቀፃሊ ቀረብ ሓይልን ጥረ ኣቕሓን ምርግጋፅ ከምኡ እውን ሓደስቲ ዓለም ለኻዊ ዕዳጋታት ምድላይ ካብቶም ቀንዲ ዕማማት መንግስቲ እዩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.