ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልኣይ ዙር መጥቃዕቲ ፈፂማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣብቂዑ ምስበሉ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ካልኣይ ዙር መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡
ዋሽንግተን በዚ መጥቃዕቲ ልዕሊ 90 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ዝገለፀት እንትትከውን፥ ሰብ መዚ ኢራን ብግደኦም እዚ ፀወታ ኣይኮነን፤ መጥቃዕቲ እንትፍነወና ብሱቕታ ኣይንምልከትን ብምባል ኣጠንቂቐን፡፡
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ ሰለስተ ናይ ንግዲ መራኽብ ኢራን መጥቃዕቲ ፈፅማ ብምባል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ 65 ወታደራዊ ጃልባታት ኢራን ከምዘዕነወት ገሊፃ ነይራ፡፡
ቴህራን ብምላሹ ብኣሜሪካ ዝቐረበላ ውንጀላ ውድቂ ብምግባር ኣብ ባህሬን፣ ኩዌትን ኳታርን ኣብ ዝርከቡ ጦር ሰፈራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡
ንመዓልቲታት ተግባራዊ ዝተገበረ ስምምዕነተ ምቁራፅ ተኹሲ ዳግም እናተበኣኣሰ ዝመፅአ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ 5 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርአየ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡