Fana: At a Speed of Life!

ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ኢጋድን ኣብ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ፀፅታ ዞባዊ ድሕንነት ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)ን፣ ኣብ ዙርያ ዞባዊ ድሕንነት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስትራቴጂካዊ ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብባር ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤልን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ተፈራሪሞምዎ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን ከም ዝገበሉዎ፤ እቲ ስምምዕነት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብሪፎርም ዝረኸቦ ዓቕሚን ተሞክሮን ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ንምክፋል ዘኽእል እዩ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ስምምዕነት ብዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ብስልጠና፣ ምርምርን ሓባራዊ መፅናዕቲን ብምብቃዕ፣ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

እዚ ድማ ንኹለን ኣባል ሃገራት ዝጠቅም ማዕቀፍ ምትሕብባርን ማሕበራዊ ርክብን ከም ዝፈጥር ገሊጾም።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዘሎ ዓብዪ ለውጢን ዕብየትን ብምንድ፤ እቲ ስምምዕ ንዞባዊ ውህደት ልዑል ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.