ብመንፈስ ወናንነት ህዝቢ ኣብ ድሮ እቲ ዕለት ዝበፅሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ድሮ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝካየደሉ ዕለት ንርከብ። ኣብዚ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ምዕራፍ ቅድመ ምድለው ጀሚሩ ብዙሕ ተሰሪሑ ኢዩ።
እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ንምዝታይ ምድላዋቱ ዛዚሙ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ልዕሊ 4 ሺሕ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያውያን ብዝመስል ኣገባብን ብሚዛናዊ ውክልናን ክውከሉ ብጥንቃቐ ተመሪፆም እዮም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ሞያዊ መብርሂን ካልኦት ኣድለይቲ ድጋፋትን ንምቕራብ ብዙሓት ሰብ ሞያ ኣዳልዩ ኢዩ።
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፤ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንዘበናት ዝተኣከቡ ዘይምርድዳኣት ብስልጡንን ብሰላማዊን መገዲ ንምፍታሕን ኣብ ሃገር ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዘኽእል ምቹው መድረኽ ተፈጢሩ ኣሎ።
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሰፊሕ ምድላው ተኻይዱ እዩ፤ ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ንዋና ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ኣሳታፊን መካተቲን ዝኾነ ምእካብ ኣጀንዳታትን መረፃ ተሳተፍቲን ተኻይዱ እዩ።
ካብ ሞንጎ ዝተገበረ ምድላዋት፤ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ንዝለዓሉ ጉዳያት ሞያዊ መብርሂ ዝህቡ ልሂቃን ምስንዳእ ሓደ እዩ።
እቶም ልሂቃን ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ፣ ሓባራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር፣ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ታሪኻዊ ኣመፃፀአኦምን ዝተራእዩ ፍፃመታትን ብመፅናዕቲ ብምድጋፍ ብግልፂ ንኽቐርቡን ናብ ፍታሕ ንኽመርሑን ትፅቢት ይግበረሎም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዘብፅሑ መሰረታዊ ስራሕቲ እናፈፀመ ዝፀንሐ እቲ ሂደት መካተቲ፣ ኣሳታፊን ተኣማኒን ንኽኸውን ብዝተገብረ ፃዕሪ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ 1 ሺሕን 234 ወረዳታት ኣብቲ ሂደት ክሳተፋ ምግባር ተኻኢሉ።
እዚ ድማ 93 ሚኢታዊ ዝሽፍን ምዃኑ ኣድማስ ተበፃሕነቱ ዝለዓለ ገይሩዎ ኢዩ።
መዳርግቲ ኣካላት ፌደራል፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ሓዊሱ ኣብ 12 ክልሊታት ሰፊሕን ዕዉትን ተግባር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ተወጊኑ ኢዩ።
ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን እውን ንኽሳተፉ ምግባሩ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝለዓሉ ሕቶታት ዝምልስ ይገብሮ።
ኣጀንዳ ዝተኣከበሎም ከባቢታት ንዋና ጉባኤ ዝውክሎም ሰባት መሪፁ ልኢኹ ኢዩ።
እቲ ከይዲ ዘተ ካብ ኣጀማምርኡ ግልፂ ዘይዳራን ኣሳታፊን ብዝኾነ ኣሰራርሓ ንኽምራሕ ከምዝተገበረ ካብቲ ከይዲ ዘተ ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ መገዲ ዝፀረገ ኢዩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ከይዲ ዝሃቦ ትኹረትን ዘርአዮ መንፈስ በዓል ዋናን ኣዚዩ ዘበረታትዕ እንትኸው፤ ህዝቢ ታሪኽ ዘይርሰዖ ሃገራዊ ሓላፍነት ተዋፂኡ ኢዩ።