ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ – ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ሓይሊ ኣየርና ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ንኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕሙ ንምክልኻል ብዝተኣማምን ዓቕሚ ሃኒፁ ኣሎ ኢሎም።
እቲ ሓይሊ ኣየር ዘላቒ ትካላዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ጠመተ ብምግባር ዘሕጉስ ውፅኢታት ከም ዝመዝገበ ተዛሪቦም።
ስለ ልቦና ሰራዊት፣ ብቴክኖሎጂን ብዓቕሚ ድልውነቱን ተሓጊዙ ሰላም ኢትዮጵያ ዝሕሉ ዓወት ዝረክብ ሓይሊ ኮይኑ ከም ዝቕፅል ኣረዲኦም።
እቲ ትካል ብዘበናዊ መሳርሒን ብላዕለዋይ ስልጠና ሓይሊ ሰብ ሰራዊቱ ብግቡእ ከም ዘዳለወብምግላፅ ኣብቲ ስልጠና ዝተረኽበ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ድማ እቲ ሰራዊቱ ዝተዋህቦ ግቡእ ብብቕዓት ንኽፍፅም ይሕግዞ ኢሎም።
ሪፎርም እቲ ሓይሊ ኣየር ብተግባር እናተራእዩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዓበይቲ ተልእኾታት ንምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ድልውነት ሃኒፁ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ ብዙሓት ልዑል ወፃኢ ዝሓቱ ፕሮጀክታት ብናይ ባዕሉ ዓቕሚን ብትሑት ወፃኢ ምፍፃም ከም ዝከኣለ ገሊፆም።