Fana: At a Speed of Life!

ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝሕግዝ ምውፋር ተገይሩ ኢሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ብዝሕግዝ መልክዑ ምውፋር ተገይሩ ኢሉ፡፡

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ተኻይዱ፡፡

ብሔራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ኣብ 2018 ዓመተ በጀት ዘካየዶ ግምገማ ኣፈጻጽማ፣ ጽኑዕን ዝተረጋገአን ሃገረ-መንግስቲ ንምህናጽ ዝሕግዝ ዕዉት ናይ ድሕንነት ስምሪት ከም ዘካየደ ገሊጹ።

እቲ ትካል ዓለምለ ኻዊ፣ ዞባዊን ሃገራዊን ኩነታት ብዕምቆት ብምትንታን፣ ዝፍጠሩ ስግኣታት ኣቐዲሙ ብምልላይ፣ ውሳነ ንዝህቡ ኣካላትን ንኦፕሬሽናትን ልኡኽቶታት ዝሕግዙ እዋናዊ ሓበሬታታት ስራሕቲ ብውፅኢታውነት ምውጋኑ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽካየድ፣ ዘይሕጋዊ ተግባራት ግብረ ራዐዲ ጉጅለታትን ብምፍሻል ንሃገራዊ ድሕንነት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣመልኪቱ።

ኣብ ናይ ወፃኢ ሓበሬታ ወፍሪ እውን ብሄራዊ ረብሓን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ስትራቴጂያዊ ሓበሬታታት ብምእካብ፣ ምስ መሓዙት ትካላት ወፃኢ ሃገራት ብምትሕብባር ግበረ ራዕዲን ዶብ ዝሳገሩ ገበናትን ንምክልኻል ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቁልፊ መንግስታዊ ትካላትን ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታትን ከም ግድብ ህዳሰን ካልኦትን ብድሕንነት ምሕላው፣ ድሕንነት ኣቪዬሽን ምጥንኻርን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምዕባይን ዕዉት ከም ዝነበረ ገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣፈፃፅማ እቲ ትካል ብዝበለፀ ንምምሕያሽ፣ ነቲ ሪፎርም ብሓደሸቲ ኣንፈታት ብምጥንኻር ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ናይ ርእሰ ዓቕሚ ዘዕብዩ ስራሕቲ ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.