ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ትገብሮ ዘላ ኣስተዋፅኦ ንኢዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣዛዚ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ (ኣፍሪኮም) ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ተዛቲዮም።
ኣብቲ ዘተኦም ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር፣ ዞባዊ ድሕንነትን ኣብ ቀፃሊ ዝግበሩ ሓባራዊ ዓውዲታት ምትሕብባር ብምድሃብ ተዘራሪቦም።
ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ከምዝበሉዎ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት እናተጠናኸረ መፂኡ።
እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ናይ ምክልኻል ምሕዝነትን ሓባራዊ ቆራፅነትን ዘንፀባርቕ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ዓውዲታት ምትሕብባር ምስፋሕ፣ ኣብ ሶማልያ ኣንፃር ኣልሸባብን ኣይኤስን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ዝግበር ቃልሲ ምጥንኻር ከምኡ እውን ናይ መፃኢ ዕድላት ምትሕብባር ከምዝተፈለዩ ኣልዒሎም።
ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ትገብሮ ዘላ ኣስተዋፅኦ ዝነኣዱ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን፤ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ሲምፖዚየም ሎጂስቲክስን ኮሙኒኬሽንን ኣፍሪካ ምስንዳእ ምኽኣሎም ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር ናብ ልዑል ደረጃ ምብፅሑ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ሲምፖዚየም ተሞክሮ ንምልውዋጥ፣ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምልላይ፣ ምስ ዓውዲ ንግዲ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዓቕሚ ትካላት ምክልኻል መከላኸሊ ኣፍሪካ ንምድንፋዕን ጠቓሚ መድረኽ ምዃኑ ተገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ወፃኢ ርክብን ወታደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ብወገኖም፤ እቲ ዘተ ፍረ ዘለዎ ምንባሩን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘሎ ነዊሕ ዘመን ዝፀንሐ ምሕዝነትን ወታደራዊ ምትሕብባርን ዝያዳ ከምዘጠናኽሮ ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ መድረኽ ከምዝተሳተፉ ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡