ስልታዊ ናይ ጉጅለ ዘተ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ስልታዊ ናይ ጉጅለ ዘተ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ ኢሎም።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓሳቦም እናውፅኡ እናተዛተዩ ይርከቡ ኢሎም።
ክሳብ ሕዚ እቶም ከይዲታት ዘርእዩዎ እቲ ዘተ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘርከብ ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ደረጃ ጉጅለ ዘተ እናተገበረ ምፅንሑ ፀሪሖም።
ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ድማ ስልታዊ ናይ ጉጅለ ዘተ ምክያድ ከምዝጅመር ኣመልኪቶም።
እቲ ስልታዊ ጉጅለ ካብ ኩሎም ተዛተይቲ ዝተውፃእፀአ ኣብ 250 ተዛተይቲ ዝተወደበ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ 10 ተዛተይቲ ኣባላት ዘለዉዎም ኣናእሽቲ ጉጅለታት ከምኡ እውን 50 ተዛተይቲሪ ኣባላት ዘለዉዎ ንኡስ ጉጅለ ኣብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ከምዝተዛተዩ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 250 ተዛተይቲ ኣባላት ዘለዉዎ ስልታዊ ጉጅለ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ እቶም ኣጀንዳታት ኣብ ስልታዊ ጉጅለ ዘተ ብዕምቆት ከምዝዝተየሎም ኣብሪሆም።