Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሃገራዊ ዘተ ባህሊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ መሰረቱ ዝልውጥ ኣጋጣሚ እዩ

ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ባህሊ ፖለቲካኣ ካብ ሱር መሰረቱ ዝልውጥ ታሪኻዊኻጋጣሚ እዩ።

እዚ ጅማሮ ካብ ጠበንጃ ፖለቲካ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ፣ ሓበራዊ ምርድዳእን ሃገር ብድሌት ሕዝቢ ናብ ምህናፅ ምዕራፍ የሰጋግረና።

ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ዘበን ታሪኻ ብዙሓት ፖለቲካዊ ምውፃእ ምውራዳትን ፈተናታት ህንፀት ሃገርን ፈተናታት ኣሕሊፋ እያ።

ሂደቱ ለቀጣዩ ትውልድ የተረጋጋች እና የሰለጠነች ሀገር ለማስረከብ የሚደረግ ታሪካዊ እርምጃ በመሆኑ ሁሉም ወገን በንቃት ሊደግፈው ይገባል።

መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ሕቶታትን ብሓይሊ ወይ እውን ብናይ ጎንፂ ዑደት እዮም ዝፍትሑ ነይሮም።

እዚ መጥፍኢ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ዴሞክራሲን ከይትረክብ ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

በቲ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣተሓባባራይነት ዝተጀመረ ሃገራዊ ዘተ ግና፤ ነዚ ዝተዛበዐ ታሪኽ ዝልውጥ፣ ፍልልያት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዘተ ንምፍታሕን ዝሰልጠነ ፖለቲካዊ ባህሊ ንምዕሳልን ልዑል ተስፋ ሒዙ መፂኡ ኣሎ።

ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ መሰረቱ ክቕየር ዝገብርዎ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ እቲ መድረኽ ዘተ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ምርካቡ እዩ።

ካብ 1 ሺሕን 234 ወረዳታት ንላዕሊ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብን ናይ 4000 ተወከልቲ ጉባኤ ውሳነታቶም ድምፂ ህዝቢ ኣብ ሓፍ ኢሉ ንኽስማዕ ዝገብሩ እዮም።

ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ከም ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ኣገደስቲ ጉዳያት ብናፅነት ምልዓሎም፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብድሌት ህዝቢ ጥራሕ ዝርከበሉ ስልጡን ስርዓት ንምህናፅ መሰረት የንብር።

እቲ ሃገራዊ ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ጎነፃ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምህናፅን ዝተኸፈተ ሓበራዊ መድረኽ እዩ።

እቲ ከይዲ ንዝቕፅል ወለዶ ዝተረጋግአትን ዝሰልጠነትን ሃገር ንምርካብ ዝግበር ታሪኻዊ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ፤ ኩሉ ወገን ብንቕሓት ክድግፎ ይግባእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.