Fana: At a Speed of Life!

ንግስቲ ሓጓፍ ሽንጥሮ – ኣዳማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀሓይ ንግሆ ካብ ኣድማሳ እንትትወፅእ፣ ንሰፊሕ ሰማይ ኣዳማ ብወርቃዊ ብርሃን ተልብሳ።

ኣዳማ ብሙቐት ፀሓይ ዝደመቐት፣ ብምንቕስቓስ ሰባት ዝተመልአት፣ ብባህሊ ዝተሸለመት ከተማ እያ። ኣብ ኣደባባያታን ጎደናታታን ዝጓዓዙ ሰባት ዝተፈላለዩ ሕልምታት ሒዞም ይንቀሳቐሱ።

ኣብ ዕዳጋታታ ዝስምዑ ድምፅታት ድማ ዕለታዊ ህይወታ ይዝምሩ። ፍሽኽታን ኣቀባብላ ኣጋይሽን ህዝባ ድማ ነታ ከተማ ንዝመፅአ ሰብ ናብ ልቡ ዝቐረበት ከተማ ክትከውን ይገብራ።

ታሪኽ ዘበናዊት ከተማ ኣዳማ ኣብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘመን ምስ ልምዓት መንገዲ ባቡር ብጥብቂ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዛ ውቅብቲ ከተማ ኣመሰራርታኣ ምስ ምስፋሕ መስመር ባቡር ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ታሪኽ ይሕብር።

ምንቕስቓስ ባቡር ድማ ንኣዳማ ቀስ ብቐስ እናዓበየትን እናሰፍሐትን ክትመፅእ ምኽንያት ኮነ። ሓረስቶት፣ ነጋዶን ሰራሕተኛታት ባቡርን ኣብ ከባቢኣ ተኣከቡ፤ መንገድታትን ትካላት ንግዲን ድማ ተኸተሉ። ኣብ ከይዲ እዋን ድማ ኣዳማ ናይ ማእኸል መራኸቢት ንግዲን ትራንስፖርትን ምዃና ኣጠናኸረት።

ሎሚ እታ ከተማ ምስ ትማሊ እንትወዳደር ብኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ተለዊጣ እያ። ኣወዳድባኣ ከተማኣ ሰፊሑ፤ ናይ ንግዲን ኢንዱስትሪን እጃማ ወሲኹ፤ ዓቕሚ ትራንስፖርት እውን ተጠናኺሩ።

ካብ መዲና ኣዲስ ኣበባ ብቐረባ ርሕቀት ትርከብ ምዃናን ዘበናዊ ቅልጡፍ መገዲ ብምውናናን ድማ ኣዳማ ንጉዕዞን ንንግዳዊ ምንቕስቓሰን ተመራፂት ከተማ ክትከውን ገይሩዋ እዩ።

ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፀ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ባህሊ ኣቀባብላ ኣጋይሽን እውን “እንቊ ሓጓፍ ሽንጥሮ” ዝብል መፀውዒኣ ብምሉእ ዝሰማማዕ ክገብሮ ክኢሉ ኣሎ።

ቀፃሊ ምዕራፍ ከተማ ኣዳማ ምስ ልምዓት ከተማን ልምዓት ኮሪደርን እናተኣሳሰረ ይርከብ። ልምዓት ኮሪደር ድማ መንገዲ ጥራሕ ዘይኮነስ መስመር እግረኛታት፣ ሓምለዋይ ቦታታት፣ ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ቦታታትን ምቹው ኣገልግሎት ከተማን ብምውህሃድ ምስሊ እታ ከተማ ኣብ ምምሕያሽ ትኹረት ገይሩ እዩ።

ሓሳብ መንግስቲ መደመር ዝኾነ ልምዓት ኮሪደር፣ ኣዳማ ንፁህቲ፣ ምቹውቲን ንናብራ ትስማዕማን፣ ከምኡ’ውን ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ዝወሃበላ ከተማ ንኽትከውን ዓብዪ ግደ ኣበርኪቱ እዩ።

ኣዳማ ትማሊ ባቡር ዘንገሳ ከተማ ነይ፤ ሎሚ ግን መስመራት መገዲ፣ ባቡር፣ ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝራኸቡላ ዓባይ ማእኸል ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኮይና ኣላ።

ፅባቐ ከተማ ኣዳማ ብህንፃታትን መገድታትን ጥራሕ ኣይምዘንን። ታሪኻ ትማሊ ሓሊያ፣ ባህሊን ኣነባብራን ህዝባ ኣኽቢራ፣ ምስ ዘበን እናተጓዕዘት ምህላዋ እዩ ፍልይቲ ዝገብራ።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.