Fana: At a Speed of Life!

‎ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 56 ነጥቢ 8 ቢልዮን ፈልሲ ብምትካል ኣብ ዓለም ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ.ም ዝጀመረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 56 ነጥቢ 8 ቢልዮን ፈልሲ ብምትካል ኣብ ዓለም ሓዱሽ ታሪኽ ክትፅሕፍ ክኢላ።

እቲ መርሃ ግብሪ ምጉሕጓሕ መሬት፣ ጨፍጫፍ ደኒን ብዝሃ ህይወትን፣ ከምኡ እውን ምድራቕን ምምላእ ደለልን ማያዊ ኣካላት ሓዊሱ ከም ሃገር ዘጋጥሙ ዝነበሩ ብዙሓት ብድሆታት ዘላቒ ልምዓት ንምእላይ ተሓሲቡ ዝተጀመረ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ 50 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተወጢኑ ዝነበረ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ግን 56 ነጥቢ 8 ቢልዮን ፈልሲ ብምትካል ኣብ ዓለም ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፋ ኣላ።

ብሓፈሻ ካብ ዝተተኸለ ፈልሲ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዝኾኑ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝተተኸሉ ምዃኖም እውን ኣብ ዓለም ታሪኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ጥሙር ደኒን ሕርሻን ዝኾኑ ማለት እውን ፍረምረ፣ ቡንን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ እንስሳታትን እንትኾኑ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣግራብ ደኒ እዮም።

እዚ ዓብዪ ዓወት ልምዓት ክዕወት ዝኸኣለ ቀዳማይ ሚኒስትር ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ መንግስቲ ብዝተውሃበ ቆራፅን ውሁድን ኣመራርሓ እዩ ክዕወት ክኢሉ።

እዚ ኣብ ውዳበ መንግስቲ ዝተርኣየ ዝተዋደደ ኣመራርሓ ኣብ ዓመት ልዕሊ 25 ሚልዮን ዜጋታት ንኽንቀሳቐሱ ኣኽኢሉ።

ካብ ምትካል ፈልሲ ብተወሳኺ ጨፍጫፍ ደኒ ብልዑል መጠን ክንኪ ዝኸኣለ እንትኸውን፤ ብዓመት ዝጭፍጨፍ ዝነበረ 92 ሺሕ ሄክታር ደኒ ናብ 27 ሲሕ ሄክታር ክወርድ ክኢሉ።

ኣብ ሕርሻ መሬት ዝርከብ ምጉሕጓሕ መሬት ብዓመት ብሄክታር ካብ 130 ቶን ናብ 54 ቶን ነክዩ፤ ናብ ማያዊ ኣካላት ዝኣቱ ደለል ሓመድ ድማ ካብ 1 ነጥቢ 9 ቢልዮን ቶን ናብ 208 ሚልዮን ቶን ብዓመት ክንኪ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.