Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም

ኢትዮጵያ ዓበይቲ ተግባራት ዝፈፀመትሉ 2018 ዓመት ተሰናቢታ። ሓዱሽ ዓመት 2019 ድማ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰራሕናዮም ተግባራት እነፅንዓሉን እነስፍሓሉን ሓደሽቲ ተግባራት ድማ እንጅምረሉ ዓመት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ምኽክር ምዕዋትና ዝመፅእ ዓመት ብኹሉ መዳይ ዝሐሸ ንኽኸውን ገይሩዎ እዩ። ውፅኢት እቲ ምኽክር እውን ካብ ሕዚ ጀሚርና ክነስስተማቕሮ ጀሚርና ኢና።

ኣብ ዝመፅእ 2019 ዓመት ፖለቲካዊ ምህዳር እናሰፍሐ ክኸይድ እዩ። መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ድማ ዝሓሸ ፍረ ከፍሪ እዩ። ኣብ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ዲጂታል ዘፈራትን ዘምፃእናዮም ውፅኢታት ድማ መሪሕነት ኢትዮጵያ ከጠናኽሩ እዮም።

በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ፍረ ምፍራይ ክጅምር እዩ። ብዙሓት ዓመፅቲ ብሰላምን ብኻልእ መገዲን ናብቲ ትኽክለኛ ጎደና ክመፅኡ እዮም።

ኣብ ዓመት 2019 ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝያዳ ማርሹ ክቕይር እዩ።

መንግስቲ፣ ህዝቢን ሓይልታት ፖለቲካን ኣብ ብሄራዊ ረብሓና ሓድነት ፈጢርና ብራኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክ ንገብሮ ኢና።

ዓመተ 2019 ናይ ሰላም፣ ብልፅግናን ብራኸን ይኹነልና።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.