ብቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ዝተመጎሰ እጃም ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብመሪሕነት መንግስቲ መደመር ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብራኸ ዲፕሎማሲ ካብ ማእኸልነት ዲፕሎማሲ ዞባን ኣህጉርን ሓሊፉ ዓለም ለኸ ፅዕንቶኣን ተሰማዕነታን እናጉለሀት ትቕፅል ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፤ ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ዘለዋ ግደ ብልዑል ናእዳ ዝመስከሩ እውን ነዚ ዘረጋግፅ ሓቂ እዩ።
ህንዳዊት ከተማ ኒው ዴልሂ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ እናተኣናገደት ትርከብ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ልኡኾምን ድማ ኣብዚ ዓብዪ መድረኽ እናተሳተፉ ይርከቡ።
ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ሓዊሱ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ እውን ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣትዮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቅድሚ ምጅማር እቲ ጉባኤ ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተታት ኣካይዶም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተኮረ ዕዉት ሓሳብ ከም ዝተለዋወጡ ኣመልኪቶም።
ዘተና ምትሕብባር ምክልኻል ንምዕባይ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ምህናፅ ዓቕሚ፣ ልምዓት መዓድን፣ ከምኡ እውን ናብ ኮፕ 32 ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘለና ሽርክነት ምጥንኻር ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ ኢሎም።
እዞም ዓውዲታት ብተግባር ዝተሓገዘ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምዕባይን ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ሓደሽቲ ዕድላት ንምፍጣርን ዓብዪ ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ዘለወን ተሰማዕነት ንምጉላሕ ወሳኒ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ብዛዕባ ዘተ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ምስ ሓባራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዝተኣሳሰሩ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ከምዝዘተዩ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ንእትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ናእዳኦም ብምግላፅ፤ ህላወ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ድምፂን ፅዕንቶን ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ንምዕባይ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።
እዚ ምስክርነት ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፤ ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፍሪካ ካብ ምዃን ሓሊፋ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዓለም ዝሽፍና ሃገራት ደቡባዊ ዓለም (Global South) ፅዕንቶአን ንምዕባይ ወሳኒት ሃገር ምዃና ዘመላኽት እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ መድረኻት ካብ ዘለዋ ተሳትፎ ሓሊፋ እወንታዊ ግደ እናተፃወተት ምፅናሓ፤ ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ዘለዋ ተሰማዕነትን ተደላይነትን እናዓበየ ንምምፅኡ ፅቡቕ መርአያ እዩ።
ብሃይለማርያም ተገኝ