Fana: At a Speed of Life!

3ይ ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪካ ሎሚን ፅባሕን ኣብ ሞስኮ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መራሕቲ ሃገራትን ሓንፀፅቲ ፖሊሲን ሓዊሱ ኣብ ቁልፊ ጉዳያት ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንትን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ዝመያየጡሉ 3ይ ጉባኤ ሩስያ – ኣፍሪካ ሎሚን ፅባሕን ኣብ ሞስኮ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ 46 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 200 ተሳተፍቲ ክርከቡ እንትኾኑ፤ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ኣኼባታትን እውን ክካየዱ ትፅቢት ይግበር።

ካብዚ ብተወሳኺ ተወከልቲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣፍሪካ ብዙሓት ስምምዕነታት ክፍርሙ እዮም።

እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪካን ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ቴክኖሎጂያዊን ፀጥታዊን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝካየድ ልዑል ደረጃ ዘለዎ መድረኽ እዩ።

ዲጂታል ቴክኖሎጂ፣ ሰብ ሰራሕ ብክሒ (AI)፣ ውሕስና ምግቢ፣ ምትሕብባር ንግዲን ጉልበትን ቀንዲ ኣጀንዳታት ኣብቲ ጉባኤ ክኾኑ ትፅቢት ይግበር።

ኣቀባሊት ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ትማሊ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ ሃገረን ኣብቲ ጉባኤ ኢኮኖሚ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ከምእተተኩር ብምግላፅ ነዚ ዝኸውን ኣድላዪ ምድላዋት ከምዝገበረት ምሕባረን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ፣ “ምትሕብባር ንግዲን ወፍሪን ንምስፋሕ ዘለና ሓባራዊ ድሌት እነንፀባርቐሉ መድረኽ ክኸውን እዩ” ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.